ኣሚር ቀጠር፣ ኣብ ሪያድ ንዝተኻየደ ዋዕላ ወሽመጥ ንኽሳተፍ ዝቐረበሉ ዕድመ ነጺጉ

Radio Erena: 12 December 2019

ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ፣ ኣብ ሪያድ ንዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንኽሳተፍ ዝቐረበሉ ዕድመ ከምዝነጸገ ማዕከናት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ሓቢረን።

እቲ ኣሚር፣ ኣብቲ ብ10 ታሕሳስ ዝተጋብአ ዋዕላ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ንኽሳተፍ ካብ ንጉስ ሳልማን ዕድመ እኳ እንተቐረበሉ፣ ኣብ ክንድኡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሸኽ ዓብደላ ቢን ናስር ኣል ታኒ’ዩ ናብ ሪያድ ልኢኽዎ።

ኣብቲ፣ ንምትፍናን ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ከህድእ ተኽእሎ ኣለዎ ዝተባህለሉ ዋዕላ፣ ኣሚር ቀጠር ብኣካል ክሳተፎ ብዘይምኽኣሉ፣ ንንጉስ ስዑዲ ዓረብ ከምዘቖጠዐ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ኣሚቶም።

ባሕሬን ብወገን ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፣ ኣሚር ቐጠር ኣብቲ ዞባዊ ዋዕላ ብኣካል ክሳተፍ ብዘይምኽኣሉ፣ ቀጠር፣ ምስሕሓባት ሃገራት ወሽመጥ ንምፍታሕ፣ ዕቱብ ኣተሓሕዛ ከምዘይብላ ዘነጽር’ዩ ክብል ነቒፉ።

ቀጠር፣ ብሕውነት ኣስላም ንዝፍለጡ ጉጅለታት ትምውል’ያ ብዝብል፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዘማእከልኦ ከባቢ ኣንጻር ቀጠር ካብ 2017 ኣትሒዙ ይቕጽል ኣሎ።

ዝሓለፈ ወርሒ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ናብ ሪያድ ድሕሪ ምብጻሑን ስዑዲ ዓረብ ድማ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ፣ ኣብ ቀጠር ናብ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ሃገራት ወሽመጥ ንኽትሳተፍ ምልኣኻን፣ እቲ ምስሕሓብ ከብቅዕ’ዩ ዝብል ተስፋታት ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብ ቀጠርን ዝተፈጥረ ምክፍፋል፣ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸግዕታት ናብ ምሓዝ’ዩ ደፋፊኡወን።

ኤርትራን ጅቡቲን ጸግዒ ስዑዲ ክሕዛ እንከለዋ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ኢትዮጵያን ድማ ዘይሻራዊ መርገጺ ወሲደን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0