ኣመሪካ ዜጋታታ ናብ ጅቡቲ ከይገሹ ኣጠንቂቓ

ኣመሪካ ዜጋታታ ናብ ጅቡቲ ከይገሹ ኣጠንቂቓ

Radio Erena: 27 November 2014

Dj Trav

ኣመሪካ ዜጋታታ ናብ ጅቡቲ ከይገሹ ኣጠቂቓ።

ጅቡቲ ሓንቲ ካብተን ሰራዊት ኣመሪካ ዓስኪሩለን ዝርከብ ሒደት ሃገራት ኣፍሪቃ ብምዃና፣ ኣልቃዒዳ ኣብዚ ቀረባ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካዩድ ይኽእል ካብ ዝብል ስግኣት’ያ ዜጋታታ ናብታ ሃገር ከይገሹ ተጠንቅቕ ዘላ።

ጅቡቲ ሽበራዊ መጥቃዕታት ዘይርኣየላ ሃገር ደኣ ትኹን’ምበር፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት’ዚ ኣብ ሓደ ወጻእተኛታት ዘዘውትርዎ ቤት ሻሂ ዝተፈጸ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ግና፣ እታ ሃገር ግዳይ ተደጋጋሚ ዒላማ ከይትኸውን ስግኣት ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

 

ምስ ኣልቃዒዳ ከምዝሓበረ ብወግዒ ዘፍለጠ ሶማላዊ ጉጅለ ኣልሸባብ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኬንያ ድሕሪ ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ቅትለት’ውን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ መሓዙት ኣመሪካ ዝኾና ሃገራት ኣብ ተጠንቐቕ ከምዘለዋ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0