ኣመሪካ እትርከበን 5 ሃገራት፣ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከውጽእ ጸዊዐን

Radio Erena: 13 October 2022

ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመን፡ ኔዘርላንድስን ብሪጣንያን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክውጽእ ሓባራዊ ጻዊዒት ኣቕሪበን።

እተን ሃገራት ኣብቲ ብ12 ጥቅምቲ ዘቕረብኦ ሓባራዊ ጻውዒት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ተጻብኦታት ብምውጋድ፣ ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ናብ ዝኽእል፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ዝተማእከለ ዘተ ከቛምቱ ተማሒጺነን።

እቲ ጻዊዒት፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዘድልዮ ህዝቢ ሰሜን ኢትዮጵያ ረዲኤት ንምብጻሕ ክልቲኦም ወገናት ዕንቅፋት ካብ ምዃን ክቑጠቡ ተላብዩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ሓይልታት ትግራይ ከምኡ ድማ ከም ፋኖ ዝኣመሰሉ ሚሊሻታት ኣምሓራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ዘረጋግጽ ጸብጻብ ክኢላታት ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ጻዊዒት፣ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ነዚ ዘጋድድ ‘ዩ ክብል ኣስሚርሉ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝፍጸም ዘሎ ጎነጽ ኮኒኑ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0