ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኣልሸባብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሓቢራ ክትሰርሕ ሓደ ኣባል ባይቶ  ጸዊዑ

ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኣልሸባብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሓቢራ ክትሰርሕ ሓደ ኣባል ባይቶ ጸዊዑ

Radio Erena: 10 August 2017

Dana

ካብ ሰልፊ ሪፖብሊካን፣ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ዝኾነ ዳና ሮሃርባሸር፣ ኣመሪካ ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዘለዋ ጉዳያት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሓቢራ ክትሰርሕ ጸዊዑ።

እቲ ንሓደ ክፋል ካሊፎርንያ ዝወከለ ኣባል ባይቶ፣ ብቋንቋ እንግሊዝ ምስ ዝፍኖ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ጀምስ ማቲስ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዘተ ከካይድ’ውን ተላብዩ።

ንሱ፣ ንረብሓ ክልቲኤን ሃገራት ምቅርራብ ክጅመር ኣለዎ ክብል’ዩ ዝገልጽ።

ስትራቴጅያዊ ኣቀማምጣ ዘለዋ ኤርትራ፣ ብሰንኪ’ቲ ናይ የመን ኩነታት፣ ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ ግዝያዊ ረብሓታት ዝረመርኮሰ ስልታዊ ዝምድና እንተዘይኮይኑ፣ ካብ ዞባውን ኣህጉራውያን ጉዳያት ተነጺላ’ያ ትርከብ።

ምስ ኣልሸባብ ርክብ ከምዘለዎ ዝተገልጸ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ካብ 2009 ኣትሒዙ ባይቶ ጸጥታ እገዳ ተነቢርሉ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ እገዳ ንኽለዓለሉ ዘካየዶ ፈተነታት ዛጊት ከምቲ ዝድለ ክዕወተሉ ኣይከኣለን።

በንጻሩ እቲ መንግስቲ እገዳ ካብ ዝተነብረላ ሰሜን ኮርያ ወትሃደራዊ ሬድዮ ርክባት ክሽምት ስለዝፈተነ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተወሳኺ እገዳ ክትግበር ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ከምዝወሰነ ኣይርሳዕን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0