ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን 4 ሽሕ ዝቑጽሩ ዓቃብ ሰላም ክኣቱ እማመ ኣቕሪባ

ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን 4 ሽሕ ዝቑጽሩ ዓቃብ ሰላም ክኣቱ እማመ ኣቕሪባ

ss envoyሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን 4 ሽሕ ዝቑጽሩ ዓቃብ ሰላም ክኣቱ እማመ ኣቕሪባ።
ኣመሪካ ናብ ባይቶ ጸጥታ ዘቕረበቶ እማመ፣ እቲ ኣብ ከተማ ጁባ ዝዋፈር ዓቃብ ሰላም ህይወትን ንብረትን ሰላማውያን ሰባት ንምክልኻል ጥራይ ዘይኮነ ንክልቲኦም ወገናት ደቡብ ሱዳን ብቐጥታ ኣብ ወተሃደራዊ ግብረ መልሲ’ውን ዝሳተፍ ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲባ።

ሰበስልጣን መንግስትን ተቓወምትን፣ ንእማመ ሰላም ተቐቢሎም ንተግባራውነቱ ካብ ምስራሕ እንተተቖጢቦም፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝሓንገዱ ዝተፈላለየ ማዕቀብ ክትገብር ምዃና’ውን ኣጠንቂቓ።
እዚ ኣብ ከተማ ጁባ ክዋፈር ዝቐውም ሓድሽ ሓይሊ፣ ኣብ ትሕቲ’ቲ ካብ እዋን ናጽነት ደቡብ ሱዳን ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጥርነፍ ክኸውን’ዩ።
ወተሃደራት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኮነ ተቓወምቲ ሓይልታት ኣብ እዋን ኲናትን ድሕሪኡን፣ ዓመጽ ደቀንስትዮን ምርሻንን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከምዘውረዱ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።
በይናዊ በዓል ስልጣን ንምዕባለ ማለት ኢጋድ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፣ ኣብ ከተማ ጁባ ዳግማይ ኲናት ከይለዓል ዝቆጻጸር ዓቃብ ሰላም ክዋፈር ውሳኔ ምሕላፉ ይዝከር። ክልቲኦም ወገናት ነዚ እማመ’ዚ ከምዝተቐበልዎ’ኳ እንተገለጹ፣ ንተግባራውነቱ ግን ሓድ-ሕድ ካብ ምውቕቓስ ኣይተቖጠቡን።
ኣቐድም ኣቢሉ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ክገብር ንዘቕረቦ ሓሳብ ኣመሪካ ከይደገፈቶ’ያ ጸኒሓ። ብኣንጻሩ ነቲ ሓሳብ ዝተቓወማ ሩስያን ቻይናን፣ ንተቓውሞአን ዳግመ ግምት ክገብራሉ ከምዝኾና ኣፍሊጠን ኣለዋ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0