ኣመሪካ ኣብ ሶማል ከተካዪዶ ዝጸንሐት ደብዳብ ነፈርቲ፣ ብርኡይ ጎዲሉ

Radio Erena: 23 January 2022

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ናይ ሶማል ከተካዪዶ ዝጸንሐት ደብዳብ ነፈርቲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብርኡይ ከምዝጎደለ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብዝሃቦ ትእዛዝ፣ ኣብ ሶማል ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ናብ ጂቡቲን ኬንያን ከምዝግዕዝ ገይሩ እዩ።

ካብ ፍሉይ እዚ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ኣመሪካ ኣብ 2021፣ ኣብ ሶማል 10 ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ጥራይ ምክያዳ ኣመልኪቱ። እዚ በንጻር’ቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ዝተኻየደ 72 ደብዳብ ነፈርቲ ክነጻጸር እንከሎ፣ ዓብይ ለውጢ ከምዝተራእየ ተመልኪቱ።

በዚ ኣመሪካ ብፍሉይ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ኣልሸባብ ዒላማ ገይራ እትገብሮ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ሓያሎ ካብቶም ሓለፍቲ ከምዝተቐትሉ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝወርድ ጉድኣት ከኣ ዝያዳኡ ዝተዓጻጸፈ እዩ ክብሉ ሓያሎ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ክስታቶም ከቕርቡ ጸኒሖም’ዮም።

ኣመሪካ ሰራዊታ ካብ ሶማል ድሕሪ ምስሓባ፣ ምስ ሰራዊት ኬንያ ብሓባር ዝሰርሕ ፍሉይ ወተሃደራዊ ሓይሊ፣ ኣብ ዋጂር ዝተባህለ ከባቢታት ኬንያ ምስፋራ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0