ኣመሪካ ኣብ ሶማል ብዘካየደቶ ደብዳብ ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

ኣመሪካ ኣብ ሶማል ብዘካየደቶ ደብዳብ ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 02 February 2015

Somadron

ኣመሪካ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሶማል ብዘካየደቶ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ደብዳብ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

እቲ ዲንሶር ኣብ ዝተባህለ ካብ ሞቋድሾ 237 ኪሎሜተር ንምዕራብ ርሒቁ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ መራሕቲ ኣልሸባብ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ’ዩ ተገሊጹ።

ኣብቲ መራሕቲ ኣልሸባብ ኔሮም ዝተባህለ ገዛ ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ፣ ናይ ዝተቐትሉ መራሕቲ ይኹን ኣባላት ኣልሸባብ ብዝሒ ክፍለጥ እኳ እንተዘይተኻእለ፣ ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱ ግና ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጠቒሶም።

 

ኣመሪካ ብቀዳም ኣብ ዘካየደቶ ተመሳሳሊ ደብዳብ’ውን 45 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝቐተለት እኳ እንተተገልጸ፣ ኣቲ ደብዳብ ምክያዱ ዘረጋገጸ ኣልሸባብ ብዝሒ ናይ ዝተቐትሉ ኣባላቱ ግና ነጺግዎ ኣሎ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ዝዓስከረ ቀዋሚ ሰራዊት እኳ እንተዘይብላ ኣብ ጅቡቲ ካብ ዝመደበሩ መዓርፎ ነፈርትን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝርከባ መራኽባን ኣብ ሶማልን የመንን ብፍሉይ ንመራሕቲ ኣልሸባብን ኣልቓዒዳን ዒላማ ዝገበረ ቀጻሊ ደብዳብ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ተካይድ’ያ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0