ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ካብ ሽርክነት ትሕቲ ሰሃራ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ክትስረዝ ዘሕለፈቶ ውሳኔ፣ ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2022 ተግባራዊ ኮይኑ

Radio Erena: 03 January 2022

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ካብ ሽርክነት ትሕቲ ሰሃራ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ክትስረዝ ዘሕለፈቶ ውሳኔ፣ ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2022 ተግባራዊ ኮይኑ።

እቲ ኢትዮጵያ ካብ (AGOA) ንኽትስረዝ ብቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብወግዒ ምስ ተነግረ፣ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኣመሪካን ኣብ ጽዑቕ ዘተ እዮም ጸኒሖም።

ንኣመሪካ፣ ሓደ ኣብዚ መደምደምታ ካብ ዘብጽሑዋ ጉዳያት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ትግራይ ኣጽዋርን ሰራዊትን ንምምልላስ ናብ ሲቪላዊ ጥቕሚ ጥራይ ክውዕል ዝነበሮ፡ ንግዳዊ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምጥቃሙ እዩ።

ምስ ኢትዮጵያ ካብቲ ዕድላት ንግዲ ዝተሰረዛ ሃገራት፣ ጊኒን ማሊን፣ ዘይቅዋማዊ ምቕያር መንግስቲ ብምክያደን ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ይገልጽ።

እዘን ካብቲ ውዕል ተሰሪዘን ዘለዋ ሃገራት፣ ነቲ ኣቐዲመን ዝመልኣኦ ቅጥዕታት ዳግማይ እንተመሓዪሸናኦ፣ ናብቲ ውዕል ክምለሳ ከምዝኽእላ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ሓቢሩ።

AGOA ኣብ 2000 ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝጸደቐ ናይ ንግዲ ውዕል ኮይኑ፡ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ንግዲ ኣመሪካ ናይ ነጻ ዕዳጋ ቦታ ክህልወን ዕድል ዝኸፍት ኮይኑ፣ ኣብ 2020፣ 38 ሃገራት ተጠቐምቲ ናይዚ ዕድል ምዃነን ይግለጽ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0