ኣመሪካ ምስ ጂቡቲ ዘለዋ ዝምድና ዝያዳ ከተሐይሎ ከምእትደሊ ገሊጻ

ኣመሪካ ምስ ጂቡቲ ዘለዋ ዝምድና ዝያዳ ከተሐይሎ ከምእትደሊ ገሊጻ

Radio Erena: 11 March 2018

telerson and gueleሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ጂቡቲ ዘለዋ ዝምድና ዝያዳ ከተሐይሎ ከምእትደሊ ተገሊጹ።

ነዚ ዝገለጸ፣ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ረክስ ተለርሰን ብ9 መጋቢት ምስ ፕረዚደንት ጂቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ቻይና ኣብ ጂቡቲ ዝኸፈተቶ ወተሃደራዊ መዓስከርን ህላወኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምስፋሕ እተካዪዶ ዘላ ጻዕሪ፣ ንኣመሪካ ሻቕሎት ፈጢሩላ ምህላዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ወኪል መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ጂቡቲ ዑደት ዘካየደ።

ኣቐድም ኣቢሉ፣ ቻይና ኣብ ጂቡቲ እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊን ቁጠባዊን ምስፍሕፋሕ ንረብሓታት ኣመሪካ ስግኣት እዩ ክብል ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ እዚ ኣፍሪቃ ጀነራል ቶማስ ዋልድሁሰር ንባይቶ ኣመሪካ ምግላጹ ተሓቢሩ’ዩ።

ኣብዚ ናይ ዕለት 9 መጋቢት ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘካየዱዎ ርክብ፣ ሰክረታሪ ተለርሰን ጂቡቲ ምስ ኣመሪካ ዘርኣየቶ ናይ ጸጥታዊ ጉዳያት ምትሕብባር ድሕሪ ምምስጋን፣ ሃገሩ ኣብ ዞባዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ምዕባለን ጸጥታዊ ብድሆታትን ብዝምልከት ምስ ጂቡቲ ብዝያዳ ክትሰርሕ ከምእትደሊ ኣፍሊጡ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ጂቡቲ ንወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ሰሓቢት ክትከውን ኣመሪካ ሓገዝ ክትገብረላ ምዃና ገሊጹ።

ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ብምዕራባውያን ሃገራት ተባሒቱ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ቻይናን ጃፓንን እውን ናብዛ ድሑር ምሕደራን ድኹም ቁጠባን እትውንን ጂቡቲ ጠመተአን ከዕዝዛ ጀሚረን እየን።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0