ኣመሪካ፣ 500 ወትሃደራት ናብ ስዑዲ ዓረብ ከተዋፍር’ያ

Radio Erena: 19 July 2019

ኣመሪካ ምስ ኢራን ኣብ እትሰሓሓበሉ ዘላ እዋን፣ 500 ወትሃደራት ናብ ስዑዲ ዓረብ ከተዋፍር ምዃና ንክፍሊ ምክልኻል እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቶም ወትሃደራት፣ ካብ ከተማ ሪያ ናብ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር ልኡL ስልጣን ክዋፈሩ ምዃኖም’ዩ ዝጥቐስ።

እቲ መዓስከር፣ ዘመናዊ ጸረ ነፈርቲን ሚሳይላትን ከምኡ ድማ ዝተሓደሰ መዓርፎ ነፈርቲ ውግእን ዘለዎ’ዩ።

ኣመሪካ፣ ብዘይካ እቶም ወትሃደራት፣ ዘመናውያን ነፍርቲ ውግእ’ውን ከተዋፍር’ያ ተባሂሉ።

ምምሕዳር ትራምፕ ብ ልዕሊ ኢራን ጸቕጢ ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፣ “ኵናት ዘይተርፍ” ዝብሉ ተንተንቲ እኳ እንተለዉ፣ ምስሕሓብ ኣመሪካን ኢራንን ካብ ፖለቲካ፣ ቁጠባን ዲፕሎማስን ሓሊፉ ናብ ወትሃደራዊ ጎንጺ ኣይዓርግን’ዩ ዝብሉ’ውን ይርከቡ።

ኣመሪካ፣ ምስ ኢራን ዝኸተመቶ ስምምዕ ምቁጽጻር ኑክሌር ብምቁራጽ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ተወሳኺ እገዳታት ኣንቢራ ትርከብ።

ብዘይካ’ዚ ኣመሪካ፣ ኢራን ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ዘመላልሳን ንግዳውያንን መራኽብ መሓዙት ሃገራትን ስግኣት ትፈጥር ኣላ ክትብል’ያ ትኸስስ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0