ኣመሪካ፣ ፍሉይ ኣማኻሪ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ክትምዝዝ’ያ

Radio Erena: 12 June 2019

ኣመሪካ፣ ንኣምባሳደር ዶናልድ ቡስ፣ ከም ፍሉይ ኣማኻሪ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኮይኑ ከገልግል ክትምዝዞ ምዃና ተገሊጹ።

እቲ ኣቐዲሙ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኮይኑ ዘገልገለ ዲፕሎማሰኛ፣ ኩነታት ሱዳን ሓደገኛ ኣንፈት ሒዙሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ፍሉይ ኣማኻሪ ኮይኑ ተረቑሑ ዘሎ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ፍሉይ ኣማኻሪ ክትምዝዝ ዝደለየትሉ ምኽንያት፣ ልዕሊ 70 ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር፣ ኣብ ልዕሊ ወታሀራዊ ባይቶ ሱዳን ጸቕጢ ክግበር ድሕሪ ምጥላቦም’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፣ ጸሓፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሚኒስትሪ፣ ጉዳያት ወጽኢ ኣመሪካ ቲቦር ናዢ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሱዳን ንምዝርራብ፣ ናብ ካርቱም ከምርሕ’ዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዘሰጋግር፣ ንሱዳን ካብ ኣባልነቱ ክግልላ እንከሎ፣ ኣመሪካ’ውን ነቲ ውሳኔ ደገፋ ሂባትሉ’ያ።

ካብ ገዛእ ህዝቡን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተቓውሞ ገጢምዎ ዘሎ ውትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ካብ ግብጺ፣ ሶኡዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ኤርትራን ጥራይ ደገፍ ምርካቡ’ዩ ዝግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0