ኣመሪካ፣ ጠለብ ነዳዲ ብምንካዩ፣ ንሓደ በርሚል ነዳዲ ትሕቲ ዜሮ ወሪዱ

Radio Erena: 21 April 2020

ኣብ ኣመሪካ፣ ጠለብ ነዳዲ ስለዝነከየ፣ ንሓደ ዋጋ በርሚል ነዳዲ ትሕቲ ሓደ ዶላር ወሪዱ።

እዚ ግና፣ ተጠቐምቲ ነዳዲ ብናጻ ክወስዱ ይኽእሉ’ዮም ማለት ከምዘይኮነ ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

ሓንቲ ካብተን ዝበዝሐ ነዳዲ ዓለምና እትህልክ ኣመሪካ፣ ኣብዚ እዋን ዚ ጠላባታ ዝንኪ ዘሎ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ህዝቢ፣ መካይኑ ዓሺጉ ኣብ ባይቱ ይዕጾ ስለዘሎ’ዩ።

ኣብ ኣመሪካ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዋጋ ሓደ ጃሎን ነዳዲ፣ ካብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ብ36 ሳናቲም ጎዲሉ፣ ብ1 ዶላርን 81 ሳንቲምን’ዩ ይሽየጥ ኣሎ።

ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ፣ ዋጋ ነዳዲ ትሕቲ ዜሮ ክወርድ ናይ ፈለማ ምዃኑ ዘመልከቱ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ፣ እዚ ዘጋጥም፣ ነዳዲ ዘከፋፍላ ኩባንያታት፣ ዝጸንሐን ነዳዲ ከይተሸጠ እንከሎ፣ ንዝመጽእ ዘሎ ነዳዲ ክቕበላ ዘኽእል ዓቕሚ ምስ ዘይህልወን ምዃኑ የረድኡ።።

ብደረጃ ዓለም ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ኣስታት 20 ዶላር በጺሑ ይርከብ።

ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት፣ ንጠለብን ቀረብን ነዳዲ ንምስትኽኻል፣ መዓልታዊ ካብ ዘፍርይኦ ነዳዲ፣ ብ10% ክቕንሳሉ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ስምምምዕ ምብጽሐን ይዝከር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0