ኣመሪካ፣ ካብ ኣባልነት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ስሒባ

ኣመሪካ፣ ካብ ኣባልነት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ስሒባ

Radio Erena: 22 June 2018

Trum sigining

ኣመሪካ፣ ካብ ኣባልነት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላተ ከምዝሰሓበት ኣፍሊጣ።

ቀዋሚት ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሃለይ ብዛዕባ’ቲ ውሳኔ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ እቲ ባይቶ ፓለቲካዊ ጸግዒ ዝሓዘን ላግጺ ንሰብኣዊ መሰላትን ምንባሩ ጠቂሳ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖመዮ ብወገኑ፣ እቲ ባይቶ፣ መሰል ደቂሰብ ናይ ናይ ዝግህሱ መዕቆቢ’ዩ ክብል ነቐኢፍዎ።

ብምግሃስ መሰላት ፍልስጤማውያን ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብቀጻሊ እትውቀስ እስራኤል ነዚ ናይ ኣመሪካ ውሳኔ ተባዕ ስጉምቲ ክትውብ ደጊፋቶ ኣላ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ናይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘይድ ቢን ራዓድን፣ ኣመሪካ ካብቲ ንመሰል ደቂ ሰብ ክጣበቕ ዝቖመ ኣህጉራዊ ትካል ምስሓባ ዝተሰምዖም ቅሬታ ገሊጾም።

ኣመሪካ፣ ካብቲ ኣብ ጄኔቫ ዝመደብሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ትስሕብ ዘላ፣ ስድራቤታቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣመሪካ ንዝኣተዉ ኣስታት 2 ሽሕ ቆልዑን ህጻናትን ንበይኖም ፈልያ ብምእሳራ ኣብ እትንቀፈሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፣ ነዚ ንቆልዑን ህጻናትን ካብ ስድራቤታቶም እናፈለኻ ናይ ምእሳር ሕጊ ትማሊ ክስረዝ እኳ እንተወሰነ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣመሪካ ንዝኣትዉ ስደተኛታት ዜሮ ተጻዋርነት ከምዘለዎ ደጊሙ ገሊጹ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0