ኣመሪካ፣ ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ ንወትሃደራዊ መዓስከር ዘገልግል ቦታ ንተወሳኺ 20 ዓመታት ክትካረዮ ውዕል ሓዲሳ

ኣመሪካ፣ ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ ንወትሃደራዊ መዓስከር ዘገልግል ቦታ ንተወሳኺ 20 ዓመታት ክትካረዮ ውዕል ሓዲሳ

Radio Erena: May 8, 2014

Barak Gele

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ ወትሃደራዊ መዓስከራት ዝኸውን ሰፊሕ መሬት ብኽራይ ንክትውንኖ ሓድሽ ውዕል ከቲማ።

በዚ ሓድሽ ውዕል፣ እቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደ ካብ ዓበይቲ ወትሃደራዊ መዓስከራት ምዃኑ ዝንገረሉ ቦታ፣ ኣመሪካ ነዚ ዝቕጽል 20 ዓመታት ብኽራይ ክትውንኖ’ያ።

እዚ ውዕል’ዚ ዝተኸተመ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ኣብ ዋሽንግተን ድሕሪ ዘካይድዎ ርክብ’ዩ።

 

እንተኾነ ን20 ዓመታት ክራይ እዚ ቦታ ዝኸውን ዝተሰልዐ ገንዘብ ኣይተሓበረን።

ኣብቲ 40 ደቓይ ጥራይ ከምዝወሰደ ዝተነግረሉ ርክብ ክልቲኦም ፕረዚደንታት፣ ኣብ ብዘይካ ነቲ ውዕል ምሕዳስ፣ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምትኳር’ውን ሓጺር ምይይጥ ኣካይዶም።

ኣብ ኣፍደገ ወሽመጥ ዓደንን ቀይሕ ባሕርን እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ጅቡቲ ንኣመሪካ ሓንቲ ካብተን ዝልዓለ ወትሃደራዊ ስትራቴጅያዊ ኣገዳስነት ዘለወን ሃገራት ዓለም’ያ።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ሰነተር ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ውን ኣብ 2006 ናብ ጅቡቲ ወግዕእዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ይዝከር።

ኣመሪካ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ለሞንየ፣ ልዕሊ 4 ሽሕ ቀዋሚ ሰራዊት ክህልዋ እንከሎ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ድማ ነፈርቲ ዝስከማ መራኽብ ኵናት ኣብቲ ወደብ ከምዝጽግዓ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣመሪካ፣ ኣብ ጅቡቲ መደበር ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣለዋ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0