ኣመሪካ፣ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ዝዛዘም ወትሃደራዊ መዓስከር ቻይና ኣብ ጅቡቲ፣ ስግኣት ከምዘፈጠረላ ሓቢራ

ኣመሪካ፣ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ዝዛዘም ወትሃደራዊ መዓስከር ቻይና ኣብ ጅቡቲ፣ ስግኣት ከምዘፈጠረላ ሓቢራ

Radio Erena: 13 March 2017

Africom

ቻይና ኣብ ጅቡቲ እተቑሞ ዘላ ወትሃደራዊ መዓስከር ንኣመሪካ ስግኣት ከምዝፈጠረላ ተሓቢሩ።

ኣዛዚ እዚ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ (ኣፍሪኮም) ጀነራል ቶማስ ዋልደሁሰር ፣ ብ9 መጋቢት ንባይቶ ኣመሪካ፣ ወትሃደራዊ ኮሚተ ኣብ ዝሃቢ መብርሂ፣ ምቛም ወትሃደራዊ መዓስከር ቻይና ኣብ ጅቡቲ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ መዓስከር ኣመሪካ፣ ኣብ ናይ ተልእኾታትን ስርሒታትን ናይ ጸጥታ ሽግራት ከይፈጥር ሻቕሎት ከምዘሕደረሉ ኣረጋጊጹ።

ብዛዕባ’ቲ ንኣመሪካ ፈጢሩላ ዘሎ ስግትት ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ጉለ ከምዝተዘራረበ ዝሓበረ ጀነራል ቶማስ ዋልድሁሰር፣ ምቛም ወትሃደራዊ መዓስከር ቻይና ኣብ ጅቡቲ ንረብሓታት ኣመሪካ ከምዘይጻረር ካብቲ ፕረዚደንት መረዳእታ ከምዝተዋህቦ ኣብቲ ንኣባላት ሰነት ሃገሩ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቻይና ኣብ ጅቡቲ እትሃንጾ ዘላ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሓት ክዛዘም ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ኣመሪካዊ ጀነራል፣ ዝልዓለ እተኩሮኡ ኣብቲ ዞባ ንዝንቐሳቐስ ሓይሊ ባሕሪ ቻይና ንምሕጋዝ ምዃኑ’ዩ ጠቒሱ።

ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ፣ መዓስከራ ለሞንየ፣ ብሓይሊ ባሕር፣ ሓይሎ ኣየርን ኣጋር ሰራዊትን ዘጠቓለለ ኣሽሓት ሰራዊት ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ንእሽቲ ሃገር ጅቡቲ፣ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ ናይ ወጻኢ ሃገራት ወትሃደራዊ መዓስከራ ኣእንጊዳ ዘላ ሃገር’ያ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0