ኣመሪካ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ብዘሎ ቅልውላው፣ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ክትምዝዝ’ያ ተባሂሉ

Radio Erena: 22 February 2021

ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ብዘሎ ቅልውላው፣ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ክምዝዝ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ገሊጾም።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ብምትኳር ክሰርሕ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ጉዳይ ሱዳንን ምስ ኢትዮጵያ ተፈጡሩ ዘሎ ዶባዊ ግጭት፣ ኣብ ኤርትራ ምንጋስ ዲሞክራሲን ምርግጋጽ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኣብ ሶማል፣ ዛጊት ክትግበር ዘይክኣላ ምርጫን ተፈጢሩ ዘሎ ናይ መንግስቲ ሃጓፍን ካብ ቀንዲ ዕማማት ናይቲ ዝምዘዝ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ምዃኑ ይግመት።

ኤርትራ ካብ ትግራይ ሰራዊታ ክትስሕብ ዝጸውዐ ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ እዋን ትራምፕ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሓገዝ ንኢትዮጵያ’ውን ክቕጽል እንተኾይኑ ምስዚ ናይ ትግራይ ኩነታት ከምዝተኣሳሰር’ዩ ተመልኪቱ።

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ንኢትዮጵያ ክወሃብ ተወሲኑ ዝነበረ ኣስታት 272 ሚልዮን ዶላር፣ ድሕሪ’ቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብኣመሪካን ባንክ ዓለምን ዝተማእከለ ዘተ ናይል ምስሓቡ ከምዝደስከለ ዝዝከር’ዩ።

እንተኾነ ምምሕዳር ባይደን፣ ምድስካል እቲ ሓገዝ፣ ምስ ጉዳይ ናይል ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ ብምምልካት፣ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ምስ ዘሎ ኩነታት ግና ክጸልዎ ከምዝኽእል ጠቒሱ ኣሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0