ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ንዝርከብ ሰራዊት ጂቡቲ 24 ድሩዓት መካይን ሓጊዛ

Radio Erena: 05 August 2022

ኣመሪካ፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ንዝርከብ ሰራዊት ጂቡቲ፣ 24 ድሩዓት መካይን ብሓገዝ ሂባ።

እንተ ወትሃደራውያን መካይን፣ ኣብ ዞባታት በለትወይንን ሒራንን፣ ብሰራዊት ጂቡቲን ሶማልን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ስርሒት ክውዕላ ምዃነን ተሓቢሩ።

ኣልሸባብ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ሶማል፣ ምንቅስቓሳቱ ኣሐይሉ ምህላዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ብዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝድገፍ ሰራዊት ሶማል፣ ወፍርታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ኣመሪካ ብወገና፣ በብእዋኑ ንመራሕቲ ኣልሸባብ ዒላማ ዝገበረ ናይ ድሮን መጥቃዕታት ተካይድ’ያ።

ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ሶማል ስሒቡ ዝነበረ ሰራዊት ዝመለሰ ምምሕዳር ባይደን፣ ኣልሸባብ ካብ ሶማል ሓሊፉ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጸጥታዊ ሓደጋ ክፈጥር ከምዝኽእል የጠንቅቕ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሶማል፣ ላሪ ኣንድረ፣ ብ02 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምርኽኻብ እተን ድሩዓት ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ እቲ ሓገዝ ጸጥታ ሶማል ካብ ምውሓስ ሓሊፉ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጠመተ’ዩ ክብል ገሊጹ።

እተን ዘመናውያን ድሩዓት፣ ብጸረ ሰበ ነታጕ ብቐሊሉ ክጥቅዓ ንዝጸንሓ መካይን ሰራዊት ጂቡቲ ብምትካእ፣ ኣብ ምህዳን ኣልሸባብ ዓቢ ኣበርክቶ ክህልወን ከምዝኽእል እቲ ኣምባሳደር ብተወሳኺ ጠቒሱ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0