ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ብዘካየደቶ ደብዳብ፣ ኣርባዕተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣልሸባብ ከምዝቐተለት ገሊጻ

Radio Erena: 31 December 2019

ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ኣብ ዘካየደቶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣርባዕተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣልሸባብ ከምዝቐተለት ገሊጻ።

እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ነፈርቲ ኣመሪካ፣ ቁንዮ ቦሮውን ካልዮ ቦሮውን ኣብ ዝተባህለ ከባቢታት ኣብ ዘካየደኦ ደብዳብ፣ ሓለፍቲ ኣል ሸባብ ከምዝቐተላ ከረጋግጽ እኳ እንተኸኣለ፣ መንነቶም ይኹን ዝርዝር ሓበሬታ ግና ኣየቕረበን።

ኣመሪካ ነቲ ደብዳብ ዘካይደቶ፣ ድሕሪ’ቲ ኣልሸባብ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ፣ ኣብ መኪና ቦምብ ብምጽዋድ፣ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 80 ሰባት ምቕታሎም’ዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ንፈደራላዊ መንግስቲ ብምድጋፍ ኣብ ሶማል ወትሃደራዊ ስርሒታት የካይዳ እኳ እንተለዋ፣ ንምንቅስቓስ ኣልሸባብ ክገትኣ ኣይከኣላን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0