ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ክትወስዶ ብዛዕባ እትኽል ወሳኔ ትመክር ኣላ

Radio Erena: 28 November 2019

ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ክትውስዶ ብዛዕባ ትኽእል ውሳኔ ትመክር ምህላዋ ዲፕሎማሰኛታት ሓቢሮም።

እታ ሃገር፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝርከብ ኣምባሳደራ፣ ናብ ዋሽንግተን ድሕሪ ምጽዋዕ፣ ኣብ ጉዳይ እታ ሃገር ብዕቅምቆት ትመክር ምህላዋ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ጸሓፊ እቲ ክፍሊ፣ ማይክ ፖምፐዮ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናብ ዋሽግንተን ከምዝተጸውዐ ብምርግጋጽ፣ እዚ ድማ ምስ ምድንጓይ ምቛም ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ወርሒ 12 ሕዳር ክካየድ ዝነበሮ ምቛም ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ንተወሳኺ 100 መዓልታት ከምዝተናውሐ ዝዝከር’ዩ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ተቓዋሚኡ ሬክ ማቻርን ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቨኒ፣ ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝበጽሕዎ ስምምዕ፣ ምቛም ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ክናዋሕ ከምዝወሰኑ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ነቲ ውሳኔ ዘይደገፈት ኣመሪካ ዝምድናኣ ምስታ ሃገር ዳግመ ግምት ክትገብረሉ ምኻና ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓያ’ያ።

ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ክቀላጠፍን እታ ሃገር ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ከተቕውምን ጸቕጥታት ኣብ ምግባር እትርከብ ኣመሪካ እዚ ምስ ዘይከውን ክሳብ እገዳ ዝኸይድ ስጉምታት ክትወስድ ምኻና ኣጠንቂቓ’ያ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0