ኣመሪካ፣ ንሶማል 9 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወትሃደራዊ ንዋት ኣበርኪታ

Radio Erena: 11 January 2023

ኣመሪካ፣ ንሰራዊት መንግስቲ ሶማል ንምድጋፍ፣ ኣስታት 9 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወትሃደራዊ ንዋት ከምዘበርከተት፣ ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ሞቛድሾ ኣፍሊጡ።

እቲ ብ8 ጥሪ ዝተበርከተ ወትሃደራዊ ሓገዝ፣ ኣመሪካ ኣብ ሰራዊት ሶማል ኣንቢራቶ ዘላ እምነት ዘርኢ’ዩ ክብል ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ዓብደልቃድር መሓምድ ኑር ኣሚቱ።

ዝርዝር ናይቲ ኣመሪካ ንሶማል ዘበርከተቶ ወትሃደራዊ ንዋት እኳ እንተዘይተጠቕሰ፣ ኣጽዋርን ድሩዓት መካይንን ከምዝርከቦ፣ ኤምባሲ ኣመሪካ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣመሪካ፣ ነታ ንልዕሊ 20 ዓመታት እገዳ ኣጽዋር ዝተገብረላ ሶማል፣ ብወግዒ ወትሃደራዊ ንዋት ክትሕግዝ፣ እዚ ናይ ፈለማ’ዩ።

ሰራዊት ሶማል፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር ኣንጻር ኣልሸባብ መጥቃዕታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ድሕሪ ዝተኻየደሉ ናይ ልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጽዑቕ መጥቃዕታት፣ ተቖጻጺርዎ ካብ ዝጸንሐ ሓያሎ ከባቢ ዝሰሓበ ኣልሸባብ፣ ንመጀመርያ እዋኑ ምስ መንግስቲ ዘተ ከካይድ ከምዝደሊ መንግስቲ ሶማል ኣብዚ ሳልስቲ ሓቢሩ።

ሶማል፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምእትኸውን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዘለዎ እምነት ገሊጹ ኣሎ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0