ኣመሪካ፣ ንምስትንፋስ ዝሕግዝ መሳርሒታት ሕክምና (ቨንቲለተርስ) ናብ ኢትዮጵያ ክትልእኽ’ያ

Radio Erena: 26 April 2020

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ንምስትንፋስ ዝሕግዝ መሳርሒታት ሕክምና (ቨንቲለተርስ) ናብ ኢትዮጵያ ክትልእኽ ምዃና ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ‘ኢትዮጵያ እትሓቶ ዘላ መሳርሒ ሕክምና፣ ብብዝሒ ኣፍሪና ስለዘለና፣ ክንልእከላ ኢና’ ክብል ገሊጹ።

ኣብዚ ናይ ኮሮና ቫይረስ ለበዳ እዋን፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ መስተንፈሲ መሳርሒታት ሓያሎ ዜጋታታ ዝሰኣነት ኣመሪካ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እኹል ተረፍ ከምዘፍረየት እዩ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝገልጽ ዘሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ካብ ቻይና ናብ 12 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተላእከ ሕክምናዊ መሳርሒታት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ክካፋፈል ጀሚሩ ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ 40 ቶን ዝተገመተ ሕክምናዊ መሳርሒታት ኣብ ካርጎ ዝጸዓነሉ ዝነበረ እዋን ዝተረኽበ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ወዲሰብ ስለዝኾነ፣ ብሓባር ጥራይ ኢና ክምክቶ ንኽእል ኢሉ።

ንሱ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ናብዘን 12 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተለገሰ ሓገዝ ከም ማእከል መዋፈሪት ክትከውን ምፍቃዳ ብስም ሃገሩ ኣመስጊኑ።

ነዚ ቻይና ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣሕዲራቶ ዘላ ጽልዋ ከም ዓቢ ናይ ንግዲ ዕዳጋ ምጭራት እትርእዮ ህንዲ’ውን ኣብዚ ዝመጽእ መዓልታት ንገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓገዝ ክትልእኽ ምዃና ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኣ ኣቢላ ኣፍሊጣ’ላ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0