ኣመሪካ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ክወጽእ ደጊማ ኣተሓሳሲባ

Radio Erena: 04 May 2023

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶንዮ ብሊንከን፡ ሰራዊት ኤርትራን ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝኾኑ ሓይልታትን ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ክወጹ ደጊሙ ኣተሓሳሲቡ።
ንሱ፡ ብምኽንያት 6ይ ወርሒ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ብ02 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነዚ መተሓሳሰቢ ዘቕረበ።
ብሊንከን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ንኽዛዘም ዝተጻወቶ ተራ ብምምጓስ፡ እቲ ኣመሪካ ‘ውን ከም ተዓዛቢት ዝተሳተፈትሉ መስርሕ ብጽቡቕ ይግስግስ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።
ዛጊት ከም ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይገድብ ምእታው፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ፡ ምፍታሕ እሱራት፡ ምጅማር ኣሳታፊ መሰጋገሪ መስርሕ ፍትሕን ምቛም ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይን ዝርከብዎም ኣገደስቲ ስጉምትታት ክትግበሩ ምኽኣሎም ንክልቲኦም ወገናት ሞጕሱ።
ይኹን’ምበር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህውሓትን ዘካይድዎም ዘለዉ ጻዕርታት ክቕጽሉ ኣብ ርእሲ ዘሕለፎ ለበዋ፡ ድሕነት ሲቪላውያን ሰባት ንምርግጋጽ ተወሰኽቲ ተዓዘብቲ ክዋፈሩ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ምጥያስን ዳግመ ምውህሃድን ብምልኣት ከረጋግጹን ጸዊዑ።
ንሱ ብተወሳኺ፣ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ኣባላት ፈደራል ዘይኮኑ ሓይልታትን ካብ መሬት ትግራይን ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ብምዝኽኻር፣ ተሓታትነት ብምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሱ ናይ ኩሎም ወገናት ክህሉ ንነባሪ ሰላም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0