ኣመሪካ፣ ምስ ኵናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተወሳኺ እገዳ ንምንባር ዘኽእል ንድፈ ሕጊ ቀሪቡ

Radio Erena: 14 February 2022

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወይ ኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተወሳኺ እገዳ ንምንባር ዘኽእል ዝቐረበ ንድፈ ሕጊ ድምጹ ክህበሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተመሓላለፈ መርበብ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ፣ ብ10 ለካቲት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ፣ ብ8 ለካቲት ድምጻ ከምዝሃበትሉ ብምጥቃስ፣ ኣባላት ኮንግረስ ብምልኣት’ውን ተመሳሳሊ መስርሕ ከሕልፍ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣባላት ሰነት ኣመሪካ’ውን ተመሳሳሊ ንድፈ ሕጊ ከምዘለዎም እቲ መርበብ ዜና ኣረጋጊጹ።

እቲ ‘ርግኣት፣ ሰላምን ደሞክራስን ኢትዮጵያ’ ዝተሰምየ ንድፈ ሕጊ፣ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወይ ኮንግረስ ኣመሪካ ብምልኣት ደገፉ እንተሂብዎ፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሳኺ እገዳታት ከንብር’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ናይ ጸጥታን ፋይናንስን ምትሕግጋዛት ከተደስክል፣ ባንክ ዓለም ይኹን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ንኢትዮጵያ ንዝምድቦ ሓገዛት ይኹን ልቓሕ ድማ ክትቃወም ተኽእሎታት ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ነቲ ንድፈ-ሕጊ ካብ ዝቐረቡ ሓደ ዝኾነ፣ ቶም ማሊኖውስኪ ዝተባህለ ኣባል ኮንግረስ፣ ህጹጽ ስጉምቲ ከምዘድሊ ምግላጹ፣ ድምጺ እቲ መርበብ ጠቒሱ።

እቲ ንድፈ ሕጊ እንተጸዲቑ፣ ንኢትዮጵያ ኣብ ወትሃደራዊ ስልጠና፣ ኣጽዋርን ፋይናንስን ንዝተሓጋገዝኣ ሃገራት’ውን ተመሳሳሊ እገዳታት ከተንብር’ያ።

ኣብ ኵናት ትግራይ፣ ንኢትዮጵያ ብቀዳምነት ዝሕግዝ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብቶም ቀዳሞት ግዳያት ናይዚ እገዳ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ምምሕዳር ባይደን ኣቐዲሙ፣ ንኢትዮጵያ ዓመታዊ ኣስታት 500 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ካብ እትረኽበሉ ውዕል ንግዲ ኣጎዋ ክስርዝ እንከሎ፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣንን ትካላትን ህግደፍ ድማ ፊናንስያዊ እገዳታት ከምዘንበረ ይፍለጥ።

ኵናት ትግራይ ብህጹጽ ደው ብምባል ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕ ዝጽውዕ ዘሎ ምምሕዳር ባይደን፣ ህጹጽ ሓገዝ ንዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ ብዘይዕንቅፋት ረዲኤት ንምብጻሕ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ዘሎ መሰናኽልን ከበባን ከብቅዕ ብቐዳምነት ይደፍኣሉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0