ኣመሪካን ሱዳንን ንመጀመርያ እዋነን ኣምባሳደራት ክለዋወጣ መደብ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 04 February 2020

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ናብ ዋሽንግተን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም ዕድመ ከምዘቕረበሉ መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ።

ጀነራል ዓብደልፈታሕ ናብ ዋሽንግተን ክበጽሕ ብጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ማይክ ፖምፐዮ፣ ከምዝተዓደመ ዘመልከተ እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣምባሳደራት ናይ ምልውዋጥ መደብ ከምዘሎ ኣአ
ንፊቱ።

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ ኣመሪካ ምስ ሱዳን ዝጸንሓ ሓርፋፍ ዝምድና ብመጠኑ ምምሕያሻት የርኢ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብፍላይ ድሕሩ’ቲ ካብ ሲቪላውን ወትሃደራውን ወገን ዝተዋጽአ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛሙ፣ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ዝጸንሐ ኣረኣእያ ክቕየር ጀሚሩ ከምዘሎ ተንተንቲ የረድኡ።

ንመራሒ ሱዳን ናብ ዋሽንግተን ምዕዳማ’ውን ሓደ መርኣያ ናይዚ ምዃኑ ይጠቕሱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዋሽንግተን ብምብጻሕ ኣብ ምልዓል እገዳን ምምሕያሽ ዝምድናን ብምትኳር ከምዝተመያየጠ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ ኣመሪካ፣ ካብ 1993 ኣትሒዘ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓሉ በብደረጃታት ዝትግበር መስርሕ ምዃኑ’ያ ጠቒሳ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0