ኣልሸባብ ከሲርዎ ዝነበረ መዓስከር ተቖጻጺሩ

Radio Erena: 08 March 2023

ሶማላዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ድሕሪ ብመንግስትን ምልሻታት ቀቢላታትን ናይታ ሃገር ዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ ከሲርዎ ዝጸንሐ መዓስከር ዳግም ተቖጻጺሩ።

ኣልሸባብ ካብቲ ኣብ ደቡባዊ ጁባላንድ ዝርከብ መዓስከሩ፡ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ካብ ሓይልታት መንግስቲ ብዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ ለቒቑ’ኳ እንተነበረ፡ብሰሉስ ሸውዓተ መጋቢት ብዝገበሮ ዳግመ መጥቃዕቲ ግን ነቲ መዓስከር ከምልሶ ክኢሉ።

ኣብ ሶማል፡ኣልሸባብ ምስ ሓደ ካብ ቀቢላታት ናይታ ሃገር ዝፈረሞ ኪዳን ኣፍሪሱ፡ኣባል ናይቲ ቀቢላ ድሕሪ ምቕታሉ ዝተወልዐ ዳግማይ ግጭት፡ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ቀቢላታት ናይታ ሃገርን፡እቲ ብኤርትራ እትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን፡ከም ቱርክን ሱዕድያን ዝኣመሰላ ዞባውያን ሓገዝትን ዝድገፍ መንግስቲ ሶማልን ተሓዊሶሞ፡ናብ ዝለዓለ ደረጅኡ ዓሪጉ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ኣብታ ሃገር እስላማዊ መንግስቲ ንምትካል ከም ዝጽዕት ዝንገረሉ ኣልሸባብ ግን፡ሕጂ’ውን እንተኾነ ገና ሰፊሕ ከባቢታት ተቖጻጺሩ ምህላዉን፡ዝተመንዝዖም ቦታታት ብዳግመ መጥቃዕቲ ናይ ምምላስ ክእለት ኣማዕቢሉ ምህላዉን ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ይገልጹ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0