ኣልሸባብ ብዉሑዱ 10 ኣባላት ዓቃብ ሰላም ቀቲሉ

Radio Erena: 03 May 2022

ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ መንገዲ ብዝተጻወደ ነታጒ፣ ብውሑዱ 10 ወተሃደራት ዓቃብ ሰላም ከምዝተቐተሉ፣ ማዕከናት ዜና ሶማል ገሊጸን።

ወግዓዊ ተለቪዥን’ታ ሃገር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ካብ ጆውሃር ዝተባህለ ዞባ ናብ ባላድ ዘምርሕ ዝነበረ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ዝጸዓነ ቃፍላይ፣ ኣቐዲሙ ብዝተጻወደሉ ነታጒ መጥቃዕቲ ስለዝወረዶ፣ ብከቢድ ከምዝተሃስየ ኣመልኪቱ።

ኣገልግሎት ዜና መንግስቲ ሶማል፣ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወስድ፣ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ እዩ፣ ክብል ከሲሱ።

ብኻልእ ወገን፣ ዓቃብ ሰላም ካብ ኣልሸባብ ዝመንዝዖ ኣጽዋር ናብ መንግስቲ ሶማል ከምዘረከበ ተገሊጹ።

ምኽትል ኣዛዚት ናይቲ፣ ኣካል ዓቃብ ሰላም ኮይኑ ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ዩጋንዳ ፊዮና ሎርታን ነቲ ኣጽዋር ኣብ ዘረከበትሉ እዋን፣ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሸበሌን በናዲርን ተዋፊሩ ዝርከብ እቲ ዩጋንዳዊ ሰራዊት፣ ኣብ ምቕራም ኣልሸባብን ካልኦት ንኣሽቱ ጥሩፋት ጉጅለታትን ዕዙዝ ኣበርክቶ ክገብር ምጽንሑ ኣመልኪታ።

ብወገን ሶማል ነቲ ኣጽዋር ዝተረከበ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ጀነራል መሓመድ ታህሊል ቢሒ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ንሰራዊት ዩጋንዳ ድሕሪ ምምስጋን፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ጽቡቕ ተወሃሂድካ ናይ ምስራሕ መንፈስ ምህላዉ ዝድነቕ እዩ ኢሉ።

ብመሰረት ውሳኔ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሶማል ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፣ ዝማረኾ ዝኾነ ኣጽዋር ናብ መንግስቲ ሶማል ከረክብ፣ ዝቕስብ መምርሒ ይርከቦ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0