ኣልሸባብ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 23 January 2023

ኣልሸባብ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ሞቛድሾ ኣብ ዘካያዶ መጥቃዕቲ፣ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ዕጡቓት ናይቲ ጉጅለ፣ ብሰንበት 22 ጥሪ፣ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ናብቲ፣ ኣብ ቀጽሪ ቤተ መንግስቲ ዝርከብን ብጽኑዕ ዝሕሎን ቤት ጽሕፈት ቅድሚ ምእታዎም፣ ነታጕ ብምፍንጃር’ዮም ነቲ ከባቢ ኣናዊጾሞ።

እቶም ዕጡቓት፣ ድሕሪ ምፍንጃር እቲ ነታጕ፣ ኣብ ሓለዋ ምስ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ጽዑቕ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ከምዘካየዱ ዝሓበሩ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ከንቲባ፣ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን ናይ ዓይኒ ምስክርነቶም ሂቦም።

ብውሕዱ ሓሙሽተ ካብቶም ዝተቐትሉ ሲቪል ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ጽሕፈት ምዃኖም’ዩ ተመልኪቱ።

ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ፣ ከንቲባ ሞቛድሾ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ምንባሩ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ካብ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን መሻርኽቱን፣ ኣብ ሓያሎ ግንባራት ጽዑቕ ወፍሪ ዝካየደሉ ዘሎ ኣልሸባብ፣ ኣብ ልዕሊ ትካላት መንግስቲን ወትሃደራዊ መዓስከራትን ናይ ግብረ መልሲ መጥቃዕታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ነፈርቲ ኵናት ኣመሪካ፣ ንሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብምድጋፍ፣ ኣብ ዘካየድኦ ደብዳብ፣ 10ታት ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝቐተላ ተሓቢሩ።

ኣብቲ፣ ካብ ሞቛድሾ ኣስታት 260 ኪሎሜተር ንሰሜናዊ ምብራቕ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ጋልካድ፣ ብ 20 ጥሪ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ኣስታት 100 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዘጥቀዐ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ሓቢሩ።

ኣመሪካ ነቲ ደብዳብ ዘካየደት፣ ኣብታ ከተማ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ኣልሸባብን ሰራዊት መንግስቲን ንሓያሎ መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት ድሕሪ ምክያዱ’ያ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0