ኣልሸባብ፣ ኣብ ሞቛድሾ ኣብ እትርከብ ሆቴል ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 20 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 22 August 2022

ዕጡቓት ኣልሸባብ፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ናብ እትርከብ ሆቴል ወሪሮም ብምእታው፣ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 20 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣረጋጊጾም።

እቶም ዕጡቓት፣ ብ19 ነሓሰ ናብታ ‘ሓያት’ ዝተባህለት ሆቴል ብምእታው፣ ልዕሊ 200 ሰባት ጅሆ ከምዝሓዙ’ዩ ተገሊጹ።

ሓይልታት ጸጥታ ሶማል፣ ጅሆ ንዝተታሕዙ ናጻ ንምውጻእ ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት፣ 106 ሰባት ከድሕኑ ከምዝኸኣሉ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ኣስታት 30 ሰዓታት ዝወሰደ ስርሒት፣ 117 ሰባት ከምዝቖሰሉ 15 ካብቶም ብኸቢድ ዝተሃስዩ ብምዃኖም ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ክውስኽ ከምዝኽእል ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣልሸባብ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ማእከል ሶማልን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ዞባታትን መጥቃዕታቱ ኣሐይሉ ይርከብ።

ሰራዊት ሶማል፣ ካብ ኣልሸባብ ንዝፍነዎ ዘሎ መጥቃዕታት ንምግጣም፣ ኣመሪካ ብነፈርቲ ክትሕግዞ እንከላ፣ ኢትዮጵያ ብወገና ናብቲ ምስ ሶማል ዘዳውባ ዞባታት ኣስታት 2 ሽሕ ሰራዊት ኣዋፊራ ኣላ።

ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ንመጥቃዕታት ኣልሸባብ ንምምካት ሓገዝ ሰራዊት ካልኦት ሃገራት እናድለዩ፣ ኣብ ኤርትራ ሳልሳይ ዓመቶም ኣሕሊፎም ዘለዉ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል ናብ ዓዶም ተመሊሶም ምስ ሰራዊት ሃገሮም ክጽንበሩ ዘይክኣልሉ ምኽንያት፣ ኣብታ ሃገር ዓቢ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ምህላዉ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ 9 ሓምለ ናብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ፣ ምስቶም ወትሃደራት ድሕሪ ምርኻቡ፣ ኣብ ዝሓጸረ ናብ ዓዶም ክምለሱ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፣ ግብራዊ ከይኮነ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ሓሊፉ ኣሎ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0