ኣልሸባብ፣ ረዲኤት ዝጸዓና ቃፍላይ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝቐተለ ተገሊጹ

Radio Erena: 07 September 2022

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ሶማል መጥቃዕታቱ ኣሐይሉ ዝርከብ ኣልሸባብ፣ ኣብ ማእከላይ ዞባ፣ ከባቢ ሒራን ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ኣብ በለትወይን፣ ሓውሲ ከተማ መሓስ ናብ ዝርከብ ህዝቢ ረዲኤት ንምብጻሕ ይዝጓዓዝ ንዝነበረ ቃፍላይ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ኣገልግሎት ዜና፣ ሓያሎ ዓበይቲ መካይን ከምዝተቓጸላ ኣመልኪቶም።

መብዛሕቶም እቶም ዝተቐትሉ፣ ሰራሕተኛታት እተን መካይን ምዃኖም እቲ ሓበሬት ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ።

ኣልሸባብ፣ ኣብ ማእከላይን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስን ዞባታት ሶማል ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ኣብ ምክያድ’ዩ ዝርከብ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዶባት ካብ ኣልሸባብ ንዝገጥማ ዘሎ ብድሆታት ንምምካት፣ ኣስታት 2 ሽሕ ሰራዊት ናብ ሶማል ከተዋፍር እንከላ፣ ኣመሪካ ብወገና ንሰራዊት ሶማል ንምሕጋዝ፣ በብእዋኑ ናይ ነፈርቲን ድሮናትን ደብዳብ ተካይድ’ያ።

መንግስቲ ሶማል፣ ካብ ኣልሸባብ ሓያሎ ጸጥታዊ ስግኣት ገጢምዎ እናሃለወ፣ ዓቕሚ ሰራዊት ንምሕያል፣ ካብ 2019 ኣትሒዞም ‘ኣብ ኤርትራ ኣብ ታዕሊም ጸኒሖም’ ዝተባህሉ ወትሃደራት ሶማል ናብ ዓዶም ክምለሶም ዘይክኣለሉ ምኽንያት ኣዛራቢ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0