ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንጉዳይ ኬንያ ዳግማይ ክርእይ እዩ

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንጉዳይ ኬንያ ዳግማይ ክርእይ እዩ

Radio Erena: 18 March 2018

icc new judgesኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፣ ዕሽሽ ኢሉዎ ንዝጸንሐ ጉዳይ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ምኽትሉን ዳግማይ ከበጋግሶ ጀሚሩ ከምዘሎ ካብ ዘ ሄግ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክልተ ቅነ ድሕሪ ሓድሽ ላዕለዋይ ፈራዲ ዝመረጸሉ እዋን’ዩ ነዚ ተረሲዑ ዝጸንሐ ጉዳይ ኬንያ ዳግማይ ዘልዕሎ ዘሎ።

ፕረዚደንት ኬንያታ ኣብቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝተኻየደ ምርጫ ብዝሰዓበ ምፍሳስ ደም፣ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝተኸሰሰ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ 2014 ‘’እኹል መርትዖ ኣይቀረበን’’ ብምባል ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ነቲ ጉዳይ ኣወዚፉዎ እዩ ጸኒሑ።

እዚ ሓድሽ ቆይሙ ዘሎ ብሰለስተ ፈረድቲ ዝቖመ ጉጅለ፣ ናይ ኬንያ፣ ዩጋንዳ፣ ሱዳን፣ ብሩንዲን ኣይቮሪ ኮስትን ጉዳያት ክሕዝ ምዃኑ፣ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ማዕከን ሓበሬትኡ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ጥራይ ዒላማ ዝገበረ’ዩ ብምባል ኣባልነተን ከምዝሰሓባ ይዝከር።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0