ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ፣ ኣብ ጅቡቲ ንዝርከቡ ምሩዃት ኵናት ኤርትራ፣ ቆላሕታ ክገብረሎም ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጸዊዑ

ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ፣ ኣብ ጅቡቲ ንዝርከቡ ምሩዃት ኵናት ኤርትራ፣ ቆላሕታ ክገብረሎም ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጸዊዑ

Radio Erena: 14 September 2017

POWS in Djibouti

ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ነቶም፣ ካብ ሰነ 2008 ኣትሒዞም ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ 19 ምሩዃት ኵናት ኤርትራ፣ ቆላሕታ ክገብረሎም ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጸዊዑ።

እቲ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብ13 መስከረም ናብ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት፣ መንግስቲ ጅቡቲ ነቶም ኣብ እዋን ኵናት ኤርትራን ጅቡትን ዝማረኾም ኤርትራውያን፣ ነገድ ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ንሸሞንተ ዓመታት ኣሲርዎም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ መወዳእታ 2016 ብምሕረት ከምዝፋዎም ብምግላጽ ናብ ቀይሕ መስቀል እኳ እንተረከቦም፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገራት ክሳብ ዝወጽኡ ግና የስግኡኒ’ዮም ክብል፣ ኣብቲ ዝነበርዎ ቤት ማኣሰርቲ ከምዝጸንሑ ጌርዎም ምህላዉ ይወቕስ።

ንሳቶም፣ ኣብቲ ንትሽዓተ ዓመታት ተኣሲሮምሉ ዘለዉ ቤት ምእሰርቲ ነገደ፣ ግዳያት ተማሓላለፍቲ ሕማማትን ስነ ኣምሮኣዊ ጸቕጥን ይኾኑ ኣለዉ ዝበለት ዳይረክተር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም፣ መንግስቲ ጅቡቲ ቅልጢፍ ፍታሕ ክገብረሎም፣ ብኣውርኡ ድማ ውሑስ ህይወት ንኽመርሑ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንኽጣየሱ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ቆላሕታ ክህቦም ተላብያ።

ኣብቲ ኣብ ሰነ 2008፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን፣ ኣብ ከባቢታት ዱሜራ ዝተኻየደ ኵናት፣ መንግስዪ ጅቡቲ 20 ኤርትራውያን ከምዝሓዘን፣ 14 ወትሃደራውቱ ድማ ብመንግስቲ ኤርትራ ከምዝተማረኹን ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኤርትራ፣ ምሩኻት ጅቡቲ ምሓዙ ይኹን ኣባላት ሰራዊቱ ብጅቡቲ ከምዝተማረኹ ካብ ምሕባር ሓንጊዱ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ መጀመርያ 2016 ንኣርባዕተ ጅቡታውያን ወትሃደራት ብመንጎኝነት ቀጠር ናብ ዓዶም ከምዘፋነወ ኣይርሳዕን።

ነቶም ብጅቡቲ ዝተማረኹ 20 ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክሒድዎም ምህልዉ ይፍለጥ።

ሓደ ካብቶም 20 ምሩዃት ኵናት ኤርትራ፣ ብዝነበሮ ከቢድ መውጋእቲ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ይዝከር።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0