ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሃራረ፣ ስሙ ናብ ሮበርት ሙጋቤ ክቕየር’ዩ

ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሃራረ፣ ስሙ ናብ ሮበርት ሙጋቤ ክቕየር’ዩ

Radio Erena: 21 September 2017

 air_zimbኣብ ዚምባብዌ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሃራረ፣ ስሙ ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሮበርት ሙጋበ ክቕየር ምዃኑ በዓል መዚ ኣቭየሽን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ካብ 9 ሕዳር 2017 ኣትሒዙ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ሃራረ ብወግዒ ተሰሪዙ፣ ብምሉእ ስም እቲ ወዲ 93 ዓመት ኮይኑ ዘሎ መራሒ እታ ሃገር ሮበርት ገብሪኤል ሙጋበ ክጽዋዕ ምዃኑ ሓቢሩ።

መዓርፎ ነፈርቲ፣ ብስም ፍሉይ ታሪኽ ዝሰርሑ መራሕቲ ሃገራት ክጽዋዕ ሓድሽ እኳ እንተዘይኮነ፣ ደሞክራሲ ኣብ ዘይብላን ብምልኪ ኣብ እትመሓደርን ዚምባብዌ ግና፣ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርታ ብስም እቲ ን37 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ ክጽዋዕ ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብታ ሃገር ብቻይናዊ ኩባንያ ክስራሕ ዝተመደበ ናይ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ዩኒቨርሲቲ ብስም ፕረዚደንት ሙጋበ ክጽዋዕ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ነቲ ዝጸንሐ ዩኒቨርሲታት እታ ሃገር ግቡእ ቆላሕታ ከይገበረ ናብ ምህናጽ እቲ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዩኒቨርሲቲ ሮበርት ሙጋበ ምትኳሩ ዝነቐፉ ተቓወምቲ እታ ሃገር፣ ብድኽነት ተሃስያ ዘላ ዚምባብዌ ንሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከተባኽን ዓቕማ ከምዘይኮነ የረድኡ።

ወዲ 93 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ሮበርት ሙጋበ፣ ብሰንኪ እርጋን ዝበዝሐ እዋኑ ኣብ ድቃስን ሕክምናን የሕልፎ ከምዘሎ ዝገለጹ እቶም ተቓወምቲ፣ ዚምባብዌ ብናይ ቀረባ መሳርሕቱን በዓልቲ ቤቱን ትመሓደር ከምዘላ’ዮም ዝወቕሱ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0