ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ኣብ ኢትዮጵያ ክጽንበል’ዩ

Radio Erena: 24 April 2019

3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ኣብ ኢትዮጵያ ክጽንበል’ዩ።

ኢትዮጵያ ንኣህጉራዊ ናጽነት ፕረስ ንምጽምባል ብዩኔስኮ ዝተሓርየትሉ ምኽንያት፣ ሓድሽ መንግስቲ እታ ሃገር ንዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ፈቲሑ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ መስርሕ፣ ናጻ ፕረስ ዝልዓለ ተራ ክጻወት ዕድል ምሃቡ’ዩ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳ፣ ሄኖክ ተፈራ፣ ኣብ 10 ሚያዝያ፣ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሮም ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዩኔስኮ፣ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ኢትዮጵያ ነዚ ኽብሪ’ዚ ምርቁሓ ከምዝኹርዖ ብምጥቃስ፣ ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ ኢትዮጵያ ኣብ እትኽተሎ ዘሎ መስርሕ ዴሞክራሲ ዘለዎ እምነት ዝምስክር’ዩ ኢሉ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ደረጃታት ናጽነት ፕረስ ናይዚ ዓመት እዚ፣ እታ ዝዓበየ ለውጢ ዘርኣየት ሃገር ኮይና ኣላ።

ብኣንጻሩ፣ ኣባል ዩኔስኮ ዝኾነትን ምስ ኢትዮጵያ ርክባት ሰላም ጀሚራን ዘላ ኤርትራ፣ ኣብ ናጽነት ፕረስ፣ ነዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝጸንሓ ሕማቕ ምስሊ ሕጂ’ውን ዓቒባ’ያ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ፓሪስ ዝርከባ ኤምባሲታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ “ምድማር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ፍልስፍና፣ ብ11 ሚያዝያ ናይ ምልላይ ባህላዊ ርክብ ምክያዱ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ርክብ፣ ክልቲኦም ኤምባሲታት፣ ኣብ ክልትኣውን ብዙሓውን ረብሓታት፣ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሎም ነጥብታት ተሰማሚዖም።

ስእሊ፣- ኤምባሲ ኢትዮጵያ

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0