ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ይዝከር

Radio Erena: 01 May 2017

Workers Day

ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ሎሚ ሰኑይ 1 ግንቦት ይዝከር ኣሎ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ኣብ ከም በዓል ኤርትራ፣ ኩባን ሰሜን ኮርያ ዝኣመሰላ ሃገራት ብሰልፍን ካልእ ንጥፈታትን ዝዝከር ደኣ ይኹን’ምበር፣ ንሳተን እተን ቀንዲ መሰል ሰራሕተኛታት ዘይክበረለን ሃገራት ምዃነን ጸብጻብ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት የመልክት።

ኣብ ኤርትራ መሰል ሰራሕተኛታት ኣይክበርን ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም መልዕሎ ወይ ጥሮታን ውሕስነት ስራሕን ዝኣመሰል ማሕበራዊ ድሕነት ሰራሕተኛታት’ውን ሕሉው ኣይኮነን።

እቲ መሰል ሰራሕተኛታት ክጣበቕ ዝግብኦ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃኮሰኤ) ከኣ ከምቶም ካልኦት ኣካላት ህግደፍ፣ ንረብሓ መንግስቲ ዘገልግል ብምኳኑ፣ ኣብ ኤርትራ ንመሰል ሰራሕተኛታት ዝጣበቕ ናጻ ኣካል የለን።

ብዓቢኡ’ውን ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ሰራሕተኛታት ዳርጋ ብምሉኦም ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ፣ብዘይድሌቶም፣ ብውሑድ ክፍሊት ዝተታሕዘ’ዩ።

ብሰንኪ እዚ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ መንእሰያት ኣብ ዝመረጽዎን ዘድምዕሉን ሞያ ክሰርሑ ኣብ ኤርትራ ዝኾና ባይታ ከምዘይብሎም’ዮም ዘማርሩ።

እዞም መንእሰያት፣ ብሞያ ይኹን ካልእ ማሕበራዊ ድሕነት ኣብ ዘይብሉ ሃዋሁ ክነብሩ ኣጸጋሚ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸቕጥን ምልክን ተደማሚሩ፣ ናብ ስደት ይውሕዙ ምህላዎም ይግለጽ።
=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0