ኣህጉራዊ መዓልቲ መማህራን ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ

5 ጥቕምቲ ኣህጉራዊ መዓልቲ መማህራን ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለሉ ኣጋጣሚ፣ ሃገራት ዓለም ኣብ ትምህርቲ ዝልዓለ ወፍሪ ክገብራ ኣብ ትምህርቲ፣ ስነ ፍልጠን ባህልን ዘተኩር ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዩኔስኮ ጸዊዑ።

    እዚ ኣብ ‘ጎኒ መማህራን ደው ንበል’ ኣብ ትሒ ዝብልቴማ ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ ዝወዓለ ኣህጉራዊ መዓልቲ መማህራን፣ ኣገዳስነቱ ኣብተን ደረጃን ክብርን መማህራን ተዳኺሙለን ዝርከብ ሃገራት ምንቕቓሕ ንምፍጣር’ዩ።
    ከም በዓል ኤርትራን ዚምባብዌን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ  እተን ዝበኣሰ ደረጃ መማህራን ዘለወን ኮይነን፣ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ዝበዝሑ መማህራን ብግዱድ ሃገራዊ ኣገልግልት ብዘይእኹል ክፍሊት ክሰርሑ ስለዝግደዱ፣ ስርዓተ ምምሃርን ምስትምሃርን እናተዳኸመ ይመጽእ ከምዘሎ’ዩ ዝሕበር።
    ዓንዲ ማእከል ስርዓተ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝኾኑ መማህራን ከም መብዛሕትኡ ኤርትራዊ እናተሰዱ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ዑቕባ ከምዝሓቱ ይፍለጥ።
    ኣብ ዚምባብዌ’ውን ብተመሳሳሊ፣ መማህራን እኹል ደሞዝ ክኽፈሎም ብዘይምኽኣሉ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ እናተሰዱ ሞያኦም ከምዝቕጽሉ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0