ኢጣልያ ኣብ ላምፔዱሳ ሒዛቶም ዝጸንሐት ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ካልኦት ከተማታት ከተግዕዞም ጀሚራ

Radio Erena: December 26, 2013

 

ኢጣልያ፣ ኣብ ላምፔዱሳ ሒዛቶም ዝጸንሐት ዝበዝሑ ኤርራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ተግዕዞም ምህላዋ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኢጣልያ ነዚ ስጉምቲ’ዚ ክወስድ ዝተገደደሉ፣ ኣብ ላምፔዱሳ ተታሒዞም ኣብ ልዕሊ ዝጸንሑ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተነግረሎም ስደተኛታት፣ ሰብኣዊ ክብሪ ዝጎደሎ ኣተሓሕዛ ከምዘለዋ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ድሕሪ ምቅልሑ’ዩ።

 

ካብ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ብምስንጣቕ ናብ ላምፔዱሳ ዝኣተዉ ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ናብቲ መዓስከር ቅድሚ ምእታዎም፣ ብእኩብ ጥራይ ነብሶም ክሕጸቡን መድሃኒት ክንጸገሎምን ክትገብር ከምዝጸንሐት ኢጣልያ፣ ንድሕነትን ጥዕናን እቶም ስደተኛታት ምዃኑ እኳ እንተገለጸት፣ ብእኩብ ጥራይ ነብሶም ክሕጸቡ ምግዳዳ ግና ሰብኣዊ ክብሪ ዝጎደሎ’ዩ ክብሉ’ዮም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወቕሱ።

እዚ ኢጣልያ ኣብ ላምፔዱሳ ክትክተሎ ዝጸንሐት ኣተሓሕዛ፣ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኤውሮጳ ክጻረን ድሕሪ ምውሳኑ ድማ፣ እታ ሃገር ኣብ ላምፔዱሳ ሒዛቶም ዝጸንሐት ኣምኢት ስደተኛታት ናብ ሮማን ካልኦት ከተማታትን ኣግዒዛቶም።

ኢጣልያ ኣብዛ እትዛዘም ዘላ ዓመት ጥራይ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ 42 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝተቐበለት’ያ ትጠቕስ።

እዚ ድማ ምስ ናይ 2012 ክነጻጸር እንከሎ ብ ሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዛይድ መንግስቲ ኢጣልያ የመልክት።

=====================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0