ኢጣልያ፣ ሕሉፍ ጽልኢ ስደተኛታት ዘለዎ ሰብ ሽዱሽተ ስደተኛታት ብጥይት ኣቑሲሉ

ኢጣልያ፣ ሕሉፍ ጽልኢ ስደተኛታት ዘለዎ ሰብ ሽዱሽተ ስደተኛታት ብጥይት ኣቑሲሉ

Radio Erena: 05 February 2018

Italy Migrant shooting

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ከምዘለዎ ዝተነግረሉ ኢጣልያዊ፣ ካብ መኪና ኮይኑ ብዝኸፈቶ ቶኽሲ ሽዱሽተ ስደተኛታት ከምዘቑሰለ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ኣፍሊጦም።

እቶም ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ቆሲሎም ዘለዉ ኣርባዕተ ስደተኛታት መንነቶም ብንጹር ኣይተገልጸን።

እቲ የማናዊ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ዝኽተልን፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ከምዘለዎን ዝተነግረሉ ሉካ ትርያኒ ዝተባህለ ኢጣልያ፣ ብቀዳም 3 ለካቲት ኣብ ከተማ ማሰራታ ቶኽሲ ዝኸፈተሉ ምኽንያት ፖሊስ የጻርዮ እኳ እንተሎ፣ ሓደ ናይጀራዊ ስደተኛ ብቕትከት ሓንቲ ኢጣልያዊት ተጠርጢሩ ከምዝተቐየደ ብዜና ድሕሪ ምክትታሉ ከም ግብረ መልሲ ዝፈጸሞ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ግምታቶም ይህቡ።

እቲ ካብ ከተማ ሮማ ኣስታት 200 ኪሎሜተር ንደቡብ ርሒቃ ኣብ እትርከብ ከተማ ማሰራታ፣ ብቀዳም 3 ለካቲት ዘጋጠመ ፍጻሜ፣ ኣብታ ሃገር ምስ ስደተኛታትን ምስፍሕፋሕ የማናውያን ሰልፍታትን ብዝተኣሳሰር ርሱን ፖለቲካዊ ክትዓት ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ እናሰገሩ ናብ ኢጣልያ ይኣትዉ ከምዘለው ይፍለጥ።

ኢጣልያ ብዋሕዚ ስደተኛታት ብቀጻሊ ተማርር እኳ እንተላ፣ ጉዳያ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ንዜጋታት እታ ሃገር ካብ ዘካትዕ ነጥቢ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብጃልባ ዝተበገሱ ኣስታት 90 ስደተኛታት ከምዝጠሓሉ ተሓቢሩ።

እታ ጃልባ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከይርሓቀት ስለዝጠሓለት፣ ዜጋታት ፓኪስታን ምዃኖም ዝተገልጸ ናይ 8 ሰባት ሬሳ ናብቲ ገማግም ተገፊዑ ከምዝተመልሰ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ዛጊት ክልተ ሰባት ጥራይ’ዮም ብህወይት ክድሕኑ ክኢሎም።

==========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0