ኢጋድ፣ ኤርትራ ዘይተሳተፈቶ መበል 28 ፍሉይ ኣኼባ መራሕቲ ኣካይዱ

Radio Erena: 16 September 2016

IGAD

ኢጋድ፣ ኤርትራ ዘይተሳተፈቶ መበል 28 ፍሉይ ኣኼባ መራሕቲ ኣካይዱ።

እቲ ብ13 መስከረም ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛድሾ ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ኣብላት ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ጸጥታ እቲ ዞባ፣ ብፍላይ ከኣ ጸጥታ ሶማል ዘተኮረ’ዩ ኔሩ።

እቲ ሸሞንተ ኣባላት ዘለው ዞባዊ ውድብ ካብ ዝምስረት ኣብ ሶማል ከተማ ሞቛድሾ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ከካይድ እዚ ንፈለማ እዋኑ’ዩ።

ኣባላት ኢጋድ፣ ኤርትራ፣ ኢትይጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሶማል፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያን ኡጋንዳን እኳ እንተኾና፣ ኣብዚ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ዝተጋብአ ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ግና ኤርትራ ኣይተሳተፈትን።

ባንዴራ ናይ ሸውዓተ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ብወግዒ ክስቀል እንከሎ፣ ባንዴራ ኤርትራ ግና ኣብ ቀጽሪ እቲ ዋዕላ ከምዘይነበረ ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

ምስ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝተሓሓዝ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣባልነቱ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ኣደስኪልዎ እኳ እንተነበረ፣ ካብ 2011 ኣትሒዙ ግና ኣባልነቱ ከሐድስ ከምዝሓተተ ኣይርሳዕን።

ይኹን’ምበር እቲ መንግስቲ ኣባልነቱ ኣብዚ ውድባት ድሕሪ ምሕዳሱ’ውን ካብ ዞባውን ኣህጉራውያን ተነጽሎታት ክድሕን ኣይከኣለን።

ብዘይካ’ዚ’ውን መንግስቲ ኤርትራ ምስ 3 መንግስታት ካብ ኣባላት ኢጋድ ዝኾነ ዓይነት ዲፕሎማሲ ከምዘይብሉ ይፍለጥ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0