ኢጋድ፣ ኣብ ናጻ ምንቅስቓስ ሰባት ዘተኮረ ዘተ የካይድ

ኢጋድ፣ ኣብ ናጻ ምንቅስቓስ ሰባት ዘተኮረ ዘተ የካይድ

Radio Erena: 27 April 2018

IGAD

ናይ መንግስታት በዓል ስልጣን ንልምዓት ማለት ኢጋድ፣ ብዛዕባ ናጻ ምንቅስቓስ ሰባት ዝዓለመ ዘተ ኣብ ኡጋንዳ፣ ከተማ ካምፓላ የካይድ ኣሎ።

እቲ ካብ 24 ክሳብ ሎሚ 27 ሚያዝያ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ፣ ኣብ መንጎ’ዘን ኤርትራ እትርከበን ሸሞንተ ሃገራት ዝርከቡ ኣህዛብ፣ ካብን ናብን ብናጻ ክንቀሳቐሱ ብዛዕባ ዝኽእልሉ ዕድላት ንምፍጣር ዝዓለመ’ዩ።

እዚ ካብ 1986 ኣትሒዙ ዝቐረበ ንድፈ ሓሳብ፣ ዳርጋ ዝበዝሓ ኣባላት ሃገራት እዚ ዞባ ስለዘይተቐበልኦ ዛጊት ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዘይክኣለ ይፍለጥ።

ኣብዚ ኣኼባ፣ ሚኒስተራትን ወከልትን ኣባላት ሃገራት ኢጋድ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት መሻርኽትን ይሳተፉ ኣለዉ።

 

ኣባላት ሃገራት ኢጋድ፣- ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ሶማል፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳን ኬንያን እኳ እንተኾና፣ ኤርትራ ካብ ብዙሕ ንጥፈታት እዚ ዞባዊ ውድብ ደስኪላ’ያ ትርከብ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0