ኢጋድ፣ ኣባል ሃገራት ደርቂ ንምውጋድ ኣኼባ ኣካዪደን

Radio Erena: 08 September 2019

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ደርቂ ቅድሚ ምጥቅዑ ንምክልኻል ዘኽእለን ተክኖሎጂካዊ ምርምር ዘካይዳሉ ናይ ሓባር ስምምዕ ገይረን።

ንክልተ መዓልታት ዝጸንሐ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝተኻየደ ኣኼባ ኢጋድ ከምዘመልክቶ፣ ደርቂ ዘስዕቦ ጉድኣት ዘጥቅዖ ከባቢታትን ብኣግኡ ተፈሊጡ ምክልኻል ክግበረሉ ዘኽእል ብእዋኑ ሓበሬታ ዘመሓላልፍ መሳርሒታት ተክኖሎጂ ንምዝርጋሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ የነጽር።

እቲ ብዓርቢ 7 መስከረም ዝተዛዘመ ኣኼባ ኣባል ሃገራት ኢጋድ፣ ደርቂ ንምክልኻል ዘኽእል መደባትን መርሓ ሕንጻጻትን እውን ከምዘጽደቐ ካብ ናይሮቢ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ኣኼባ፣ ንጉዳይ ስደትን ምምዝባልን፣ ግርጭታት፣ መንእሰያት፣ ደቀንስትዮን ህጻናትን ከምኡ’ውን ኣካለ ስንኩላን ፍሉይ ቆላሕታ ከምዝተዋህቦ ይግለጽ።

ኣብ መወዳእታ፣ ኣባል ሃገራት በብወገነን ጸብጻባት ከቕርባ፣ ቅልጡፍ ሓበሬታ ናይ ምልውዋጥ መስርሕ ከካዪዳ እንተኽኢለን፣ ብፍላይ ሰብኣዊ ዓቕሚ ኣብ ምምዕባልን ዞባዊ ባህርያዊ ሓደጋታት ኣብ ምክልኻልን ዕዙዝ ተራ ክህልዎ ከምዝኽእል ብምእማን ንትግባረኡ ጻዕርታት ክካየድ ለበዋ ቀሪቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0