‘ኢጋድ፣ ምስ ሩስያን ቻይናን ምሕዝነት ክጅምር ኣለዎ።’ ሚ/ጉ/ ወጻኢ ሱዳን

Radio Erena: 01 December 2022

ሱዳን፣ መበል 48 ዋዕላ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኢጋድ የንእጊዳ።

እቲ ብ30 ሕዳር ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኣባላት ሃገራት፣ ብፍላይ ድማ ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ክሌማዊ ለውጢ፣ ደርቂ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ዕልቕልቕን ውሕስነት መግቢን ብምትዃር ‘ዩ ዘትዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነቲ ዋዕላ ናይ ዘእንገደት ሱዳን፣ ዓሊ ሳድቕ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኢጋድ ምስ ሩስያን ቻይናን ዝምድና ክምስርት ኣለዎ ዝብል ለበዋ ኣሕሊፉ።

እቲ ሚኒስተር፣ መሻርኽቲ ኢጋድ ካብ ዝኾነ 28 ሃገራት፣ ኩለን ምዕራባውያን ምዃነን ብምዝክኻር፣ ከም ቻይና፣ ሩስያን ሃገራት ወሽመጥን ዝኣመሰላ ‘ውን ዘይጽንበራሉ ምኽንያት የለን ክብል ኣስሚርሉ።

ኣብ መንጎ መንግስታት በዓል ስልጣን ንልምዓት ወይ ኢጋድ፣ ብዘይካ’ተን ከም ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ብሪጣንያ ኣመሪካን ካናዳን ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ምስ ሕብረት ኤውሮጳን ማሕበር ሃገራት ዓረብን ውን’ ሽርክነት ኣለዎ።

እዚ ዞባዊ ውድብ ንሸሞንተ ሃገራት፣- ኤርትራ፣ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማል፣ ኬንያን ኡጋንዳን ዝሓቖፈ እኳ እንተኾነ፣ ኤርትራ ነዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ድስኩል ተራ’ዩ ዘለዋ።

ኤርትራ፣ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢጋድ እኳ እንተበኾረት ባንዴራኣ ግና ተሰቒሉ ኔሩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0