ኢንተርፖል፣- ሓላፊ ጸጥታ ነበር ዝርከቦም ካብ ሱዳን ዝሃደሙ ሰበ ስልጣን ስርዓት በሺር ክህደኑ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ

Radio Erena: 03 September 2021

ኣህጉራዊ ማሕበር ፖሊስ ገበነኛታት- ኢንተርፖል፣ ሓላፊ ጸጥታ ነበር፣ ሳላሕ ጎሽ ዝርከቦም፣ ካብ ሱዳን ዝሃደሙ ሰበ ስልጣን ስርዓት በሺር፣ ተሃዲኖም ናብ ሕጊ ክቐርቡ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ሱዳን ዝርከብ ጨንፈር ኢንተርፖል ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፣ ብዝተፈላለየ ገበናት ምግሃስ መሰላት ደቂ ሰብ ዝኽሰስ፣ ሓላፊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ስርዓት በሺር ዝነበረ፣ ሳላሕ ጎሽ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ግብጺ’ዩ ዝነብር።

ክልተ ኣሕዋቱ ነቲ ንሱዳን ን30 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ነበር፣ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር’ውን፣ ካብቶም ክህደኑ ትእዛዝ ተመሓላሊፍሎም ዘሎ’ዮም።

እዞም ብብልሽውናን ምጥፍፋእን ተኸሲሶም ዝርከቡ ኣሕዋቱ ንኣልበሺር፣ ኣብ ቱርኪን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ከምዝነብሩ ተመልኪቱ።

ግብጺ፣ ቱርኪን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ነዞም ሰበ ስልጣን ሱዳን ነበር ሃዲነን ከረክባ፣ ካብ ኢንተርፖል ምሕሽንታ ቀሪቡለን።

ስርዓት በሺር ኣብ 11ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፣ ዝተፈላለየ ክስትታት ተመስሪትሉ ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ዞባ ዳርፉር ፈጺምዎ ብዝብሃል ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ተኸሲሱ ስለዝርከብ፣ እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ናብቲ ኣብ ኔዘርላንድ፣ ከተማ ዘ ሄግ ዝርከብ መጋብኣያ ክልኣኽ ተኽእሎታት ኣሎ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0