ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝልኣኽ ሓይሊ ኢጋድ ክትመርሕ’ያ

ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝልኣኽ ሓይሊ ኢጋድ ክትመርሕ’ያ

Radio Erena: 10 June, 2014

IGAD

ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝልኣኽ ዓቃብ ሰላም ንኢጋድ ብምምራሕ ሰራዊታ ከተዋፍር ምዃና ገሊጻ።

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳንን መራሒ ተቓዋምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይድዎ ድሕሪ ዝጸንሑ ሓያሎ ስምዓት፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተዋጽአ ግዝያዊ መንግስቲ ክቕውም እኳ እንተተሰማምዑ፣ ግጭት ከይቕጽል ግና ኣብ መንጎኦም ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክዋፈር ከምዘደሊ’ዩ ክጥቐስ ጸኒሑ።

 

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 27 ግንቦት ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳነ ድማ፣ ጎረባብቲ ደቡብ ሱዳን ዝኾና ሃገራት ኢጋድ፣ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክልእካ ኣፍቒዱ ኣሎ።

ነዚ ዕማም እዚ ድማ ኢትዮጵያ ከምዝተቐበለቶን፣ ብስም ሃገራት ኢጋድ ድማ ሰራዊታ ናብ ደቡብ ሱዳን ከተዋፍር ቅርብቲ ከምዘላን መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ዝዋፈር ሰራዊት ኢጋድ፣ ከም ኣካል ናይቲ ኣቐዲሙ ዝዓስከረ ልኡኽ ሰራዊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ከገልግል’ውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምውሳኑ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተዘርግሐ ዜና የመልክት።

እንተኾነ ኤርትራ፣ ሱዳንን ኢጋንዳን ዝርከብአን ሃገራት ኢጋድ እቲ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝዋፈር ሰራዊት ብኢትዮጵያ ክምራሕ ምውሳኑ፣ ዘለወን ርእይቶ ዛጊት ኣየነጸራን።
=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0