ኢትዮጵያ ትጓርቶ ዘላ ኣጽዋር፣ ኣብ ሰበስልጣን ሱዳን ሻቕሎት ይፈጥር

Radio Erena: 31 January 2021

ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ጀሚራ ምስቲ ምስ ሱዳን ዘዳውባ ከባቢታት ሰራዊት ትጓርት ምህላዋ፣ ንሰበስልጣን ሱዳን ሻቕሎት ፈጢሩሎም ከምዘሎ፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።
ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ሰበስልጣን ሱዳን ኣብ ዝህብዎ ዘለዎ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ጥራይ ዘይኮነ፣ ከበድቲ ኣጽዋር፣ ታንክታትን ጸረ ነፈርቲ ሚሳይላትን ዘጠቓለለ ገዚፍ ወተሃደራዊ ሎጂስቲክ ናብ ዶባት ትጓርት ምህላዋ ጠቒሶም።
ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን መሓመድ ዑስማን ኣል-ሑሴን፣ ኣብቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢታት ዶብ ዝርከብ ሰራዊት ምስጢራዊ ዑደት ከምዘካየደ ዝጠቐሱ ገለ ወገናት፣ እቲ ሰራዊት ኣብ ዝኾነ እዋን ክባራዕ ንዝኽእል ኲናት ድሉው ክኸውን ከምዘጠንቀቐ የመልክቱ።
ሰበስልጣን ሱዳንን ኢትዮጵያን እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ መንገዲ ዝፍታሓሉ መንገዲ ክርከብ ዲፕሎማስያዊ ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ዝርከቡ እኳ እንተኾኑ፣ ኣብ ከባቢ ዶባት ሰራዊት ምጉራት ግን ደው ኣየበሉን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ብዓርቢ 29 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሃገሩ ንዘተ ሰላም ድልውቲ እኳ እንተላ፣ ሱዳን ቅሩብነታ እንተዘይርእያ ግና ፍረ የብሉን ክብል’ዩ ገሊጹ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0