ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 200 ወተሃደራት ናብ ደቡብ ሱዳን ኣዋፊራ

ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 200 ወተሃደራት ናብ ደቡብ ሱዳን ኣዋፊራ

Radio Erena: 26 October 2017

ethiopian soldiersኢትዮጵያ፣ ተወሰኽቲ 200 ወትሃደራት ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዘዋፈረት ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

እቶም ናብ ደቡብ ሱዳን ተዋፊሮም ዘለዉ፣ ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ዝሕቆፉ’ዮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን፣ ምውፋር እዞም ወትሃደራት ብምርግጋጽ፣ ኣብ ጎኒ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ብምዃን ኣብታ ሃገር ጸጥታ ንምውሓስ ክሰርሑ ምዃኖም ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ሱዳን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ትልእኽ ዘላ፣ ቀዋሚት ወኪል ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኒኪ ሃለይ፣ ኣብዘን ክልተ ሃገራት ድሕሪ ዘካየደቶ ምብጻሕ’ዩ።

 ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ 2016 ኣትሒዙ ኣስታት 13,500 ወትሃደራት ዝሓቖፈ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ተዋፊሩ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብዚኦም እቶም 8,300 ወትሃደራት ናይ ኢትይጵያ’ዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0