ኢትዮጵያ ቀዪዳቶም ዝጸንሐት 120 ሶማላውያን ናጻ ክትሰዶም ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ኣፍሊጡ

ኢትዮጵያ ቀዪዳቶም ዝጸንሐት 120 ሶማላውያን ናጻ ክትሰዶም ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን ዓሊ ክያር ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቐነየሉ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዝርራብ ነቶም 120 ሶማላውያን እሱራት ናጻ ክወጹ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ፣ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

 

ንሱ ኣብ መልእኽቱ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ብግብረ ሽበራ ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ሶማላዊ ጋዜጠኛ ሓዊስካ 120 ዝኾኑ እሱራት ናብ መንግስቲ ሶማልያ ከረክቦም ቃል ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።

ገለ ካብቶም ናብ መንግስቲ ሶማልያ ዝርከቡ ዘለዉ እሱራት ናይ ፍርዲ ግዚኦም ኣብ ቤት ማእሰርታት ሶማልያ ክውድእዎ ምዃኖም’ዩ ዝንገር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0