ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝነበራ ግጥም ሴካፋ ሰሪዛ

Radio Erena: 04 December 2019

ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ተሰሪዑላ ዝነበረ ግጥም ሴካፋ ሰሪዛቶ።

ኢትዮጵያ፣ ካብቲ 7 ክሳብ 9 ታሕሳስ ኣብ ኡጋንዳ ክካየድ ዝተመደብ ግጥማት ማእከላይን ምብራቅን ኣፍሪቃ ከምዝሰሓበት ዘረጋገጸ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር፣ ምኽንያቱ ግና ኣየንጸረን።

እታ ሃገር ኣብ ናይ ደቂንስትዮ ካብ ዝተሰርዐ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ’ውን ትሕቲ 17 ዓመት’ውን ስሒባ ኣላ።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፣ ምኽንያት መስሓቢኡ ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘይሃበሉ፣ ብሰንኪ ዘለዎ ዋሕዲ ፊናንስ ክኸውን ከምዝኽእል ቢቢ ግምታቱ ሂቡ’ሎ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት ክትሳተፍ ዝኸኣለት ኢትዮጵያ፣ ነዚ ድሕሪ ልዕሊ 21 ዓመታት ንመጀመርያ ክካየድ ተሰሪዑ ዝነበረ ግጥም ምስ ኤርትራ ምስራዛ፣ ንብዙሓት ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ኣየሐጎሰን።

ዳግም ብዝተሰርዐ መደባት፣ ኣብ ጉጅለ ሓደ፣ ኤርትራ ምስ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ክተገጥም’ያ።

ብወገን ኤርትራ፣ ዓወታት ንምፍሓስ ምድላዋት ተኻይዱ እኳ እንተሎ፣ ከም ናይ ዝሓለፈ ተደጋጋሚ እዋናት ህድማ ተጻውቲ ከየጋጥም ግና ካልእ ዝዓበየ ስግኣት’ዩ።

ስእሊ፣- (ፋይል)ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0