‘’ኢትዮጵያ መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ለውጥታት ክትገብር’ያ’’ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

‘’ኢትዮጵያ መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ለውጥታት ክትገብር’ያ’’ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

Radio Erena: 07 October 2018

abiy and demekeመንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ትካላት ንምዕዛዝ ዓበይቲ ለውጥታት ክገብር ምዃኑ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ መዛዘሚ መበል 11 ዋዕላ ኢህወደግ፣ ኣብ ዘስመዖ ቃል’ዩ።

ብረቡዕ 3 ጥቅምቲ ጀሚሩ ንሳልስቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ኢህወደግ፣ ነቲ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ’ታ ሃገር ደሞክራስያዊ መስርሕ ክኽተል ዘኽእሎ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ኣብቲ ዋዕላ ምርግጋጽ ስርዓተ ሕጊ፣ ሽቕለተ ኣልቦነትን ድኽነትን ዝብሉ ጉዳያት ዝያዳ ኣቓልቦ ረኺቦም ብሰፊሑ ከምዝተዘተየሎም፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ይገልጻ።

ሰልፊ ኢህወደግ ኣብ ዋዕላኡ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ደመቀ መኮነንን፣ ከም ኣቦ ወንበርን ምኽትሉን ገይሩ ከምዝመረጾም መንግስታዊ ማዕከን ዜና’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ኣብ ምዕራባዊ ኢትዮጵያ ዓሌት ዝመንቀሊኡ ብዝተላዕለ ቅልውላው፣ ከባቢ 100 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም ከምዘለዉ ተገሊጹ።

እዚ ዳግማይ ዝተወለዐ ግጭት፣ ኣባላት ምምሕዳራዊ መንግስቲ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝኾኑ ኣርባዕተ ሰበስልጣን ጸጥታ ድሕሪ ምቕታሎም ዝተላዕለ’ዩ።Ethio IDP

እቶም ሰበስልጣናት፣ ንጸጥታን ምርግጋእን’ቲ ዞባ ብዝምልከት ኣብ ኣሶሳ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተሳቲፎም ክምለሱ እንከለዉ፣ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደሎም ይግለጽ።

ብሰንኪ’ዚ ዝተላዕለ ዓሌታዊ ግጭት ከኣ ቁጽሪ ኣብቲ ዞባ ናይ ዝተመዛበለ ህዝቢ መዓልታዊ ይውስኽ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ። ብውሑዱ 30 ሰባት ከምዝተቐትሉ እውን በዓልስልጣን መራኸቢታት’ቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ ህጹጽ ረዲኤት ክህብ ኣይከኣለን ክብል’ዩ ዝኸስስ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0