ኢትዮጵያ፤ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ናይል ብዝምልከት ኣብ ኪንሻሳ ዘካየድኦ ዘተ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ

Radio Erena: 07 April 2021

ኣብ መንጎ ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን፤ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ኪንሻሳ ዝተኻየደ ዘተ ዝኾነ ፍረ ከምዘይተረኽቦ ግብጺ ገሊጻ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ብሰሉስ 06 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ብ04ን 05ን ሚያዝያ ዝተኻየደ ስሉሳዊ ዘተ ውጽኢታዊ ከምዘይነበረ ኣረጋጊጹ።

እዋናዊ ኣቦ መንበርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ተረኪባ ዘላ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ሰለስቲኦም ወገናት ንምቅርራብ ተወጢኑ ዝነበረ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዘተ፡ ንተወሳኺ ሓደ መዓልቲ ክናዋሕ እኳ እንተገበረት፡ ዝኾነ ተስፋታት ኣይሃበን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0