ኢትዮጵያ፣ 13 ካናዳውያን ዝርከብዎም 15 ሰራሕተኛታት ትካል ግብረ ሰናይ ተኣሲሮም

Radio Erena: 02 March 2020

ኣብ ኢትዮጵያ ፣ ኣብ ትካል ግብረ ሰናይ ክነጥፉ ዝጸንሑ 13 ካናዳውያንን 2 ዜጋታት እታ ሃገር ከምዝተእስሩ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቶም 10 ወለንተኛታት ዝርከብዎም 15 ሰባት፣ ብቀዳም 29 አካቲት ዝተኣስርሉ ምኽንያት፣ ሕጋዊ ፍቓድ ዘይረኸበን ዕለታቱ ዝወደቐን መድሃኒታት ክዕድሉ ጸኒሖም ተባሂሉ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ምኩራትን ስነ ምግባር ዘለዎም ሓካይምን ከምዘለውዎ ዝገለጸ፣ እቲ “መዲሲን ሃትስ” ዝተባህለ ማሕበር ግብረ ሰናይ፣ ነቲ ዝቐረበ ክስታት ነጺግዎ ኣሎ።

ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብዝምልከት ምስ ኤምባሲ ካናዳ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብምምኽኻር ነቲ ጉዳይ ይከታተሎ ከምዘሎ’ውን ኣፍሊጡ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0